እዛ መጽሓፍ ንህጻናትን መንእሰያትን ኣንበብቲ ዝተዳለወት ኮይና: ልዕሊ ዕስራ ዝኾኑ ሓጸርቲ እኩባት ሞራላዊ ዛንታታት ዝሓቖፈት እያ:: ነፍሲ ወከፍ ዛንታ ኣብ ሓቀኛ ሂወት ንዝፍጠሩ ብድሆታት: ኣገደስቲ ክብርታትን: ጠቐምቲ ናይ ሂወት ትምህርትታት; ብዛዕባ ቅንዕና: ትብዓት: ሕያውነት: ሓላፍነትን ጽንዓትን ትድህስስ:: መንእሰያት ኣብ ማዓልታዊ ሂወቶም ብዑምቆት ክሓስቡን ብጥበብ ክመርጹን ተተባብዕ መጽሓፍ እያ :: እምበኣር እዛ መጽሓፍ: ንህጻናትን መንእሰያትን ኣንበብቲ ብፍልጠት ጥራሕ ዘይኮነትስ ብጥበብን ልቦናን ዉን ከምዝዓብዩ ትሕግዞም እያ::
+45 7199 8841 (Hverdage 9.00 - 13.00)
[email protected] (Vi svarer alle hverdage inden 48 timer)